ሰነት ኣመሪካ ሚኒስተር ጉዳያት ሰራሕተኛታት ኣጽዲቑ

  • ዜና ቪኦኤ

ሎሪ ቻቨዝ ደረሚረር ሚኒስተር ጉዳያት ሰራሕተኛታት

ሰነት ኣመሪካ ንሎሪ ቻቨዝ ደረሚረር ሚኒስተር ጉዳያት ሰራሕተኛታት ንክትኸውን ኣፅዲቑ። እቲ ሚኒስትሪ መሰላትን ሓለዋን ሰራሕተኛታት ኣብ ምፍጻም ሓላፍነት ዘለዎ ኮይኑ እዚ መዝነት ዝጸደቐ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምጉዳል ይፅዕር ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

ቻቨዝ ደረሚረር ዝመርሕኦ ሚንስትሪ ነቲ ቢልየነር ኢላን ማስክ ዝምራሕ ንምጉዳል ሰራሕተኛታት መንግስቲን ተኣፋፊ ሓበሬታን ንምርካብ ዝሰርሕ ዘሎ አካል ኣብ ክሲ ንዝርከብ ፈጻሚ አካል ዝሓቑፍ'ዩ።

እቲ ሚኒስትሪ 16,000 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኮይኑ 13.9 ቢልየን ዶላር ባጀት 2025 ዝሓተተ እዩ።