ትካል “ሕውየት” ከም ስሙ -- ኣብ ትግባር

Your browser doesn’t support HTML5

“ሕውየት” ዝተሰምየ፡ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝገበረ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ በበይኑ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ኣደታት ዝሕግዝ ትካል’ዩ። ኣብ ሓጺር ዕድመኡ ንኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝበጽሓ ኣደታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝሓገዘ መስራቲት እቲ ትካል ወ/ሮ መሰረት ሓዱሽ ትሕብር። ነዘን ኣደታት ስነ-ኣኣሙራዊን ካልእ ግብራዊ ስልጠናታትን ብምሃብ’ዩ እቲ ትካል ነተን ኣደታት ናብ ንቡር ህይወተን ክመልስ ዝጽዕር።