ኣብ ሰሜናዊ ወገን ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ካኩማ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ፖሊስን ብዝተፈጥረ ጎነጽ ብውሑዱ ኣርባዕተ ካብቶም ስደተኛታት ብጥይት ተወጊኦም። ኣሽሓት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፡ ብሩንዲ፡ ኮንጎን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ስደተኛታት ሕጽረት ቀረባት ኣሎና ብዝብል ትማሊ ሰኑይ ተቓውሞ ድሕሪ ምልዓሎም’ዩ እቲ ጎንጺ ኣጋጢሙ።
ነቲ መዓስከር ብቐረባ መግቢ ዘመሓድር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ እቲ ዘለዎ ቀረባ ናብ 45% ምውራዱ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ለገስቲ ሃገራት ቅድሚ ሎሚ ዘቕርበኦ ዝነበራ ሓገዝ ኣዝዩ ስለ ዝነከየ፡ ዝገደደ ሳዕቤን ክስዕብ ከም ዝኽእል’ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም የጠንቅቕ። ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበሮ ዝነበረ ኣህጉራዊ ሓገዛት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጨንፈሩ ትማሊ ሰኑይ ከም ዝዓጸወ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብዙሓት ስደተኛታት እተዕቁብ ኬንያ ዝጸንሓ ኣተሓሕዛ ፖሊሲ ብምልዋጥ፡ ንስደተኛታት ኣብ ክንዲ ኣብ መዓስከራት ምቕማጥ፡ ኣካል’ቲ ሕብረተሰብ ኰይኖም ባዕላቶም ክሰርሑን ነብሶም ክናብዩን ዘኽእል መንገዲ ትሰርሕ ኣላ። እዚ ፖሊሲ’ዚ ኣብ ከም በዓል ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ዝስርሓሉ’ዩ።