ዘርኢ ቡን ኤክሰላ፡ ንመነባብሮ ሓረስቶት ደቡብ ሱዳን የመሓይሽ’ዶ ይኸውን?
Your browser doesn’t support HTML5
ቅድሚ ኣስታት ሓሙሳ ዓመታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተረኽበ ኤክሰላ ዝተባህለ ዓይነት ቡን፡ ሎሚ ተቐባልነቱ እናዓበየ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ንሓረስቶት ድማ መለሳ ኰይኑ፡ መጠናዊ ኣታዊ ንኽረኽቡ የኽእሎም። ምስ ለውጢ ክሊማ፡ ሓያሎ ኣፍረይቲ ቡን ዝነበራ ሃገራት ኣብ ከቢድ ቅልዋላው’የን ዝርከባ። ከምዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝበቁል፡ ንምልውዋጥ ክሊማ ዝጻወር ዘርኢ ቡን እምበኣር ዓቢ መለሳን ፍታሕን’ዩ ዝጥመት ዘሎ።