ሓንቲ ወታሃደራዊት ነፋሪት ሱዳን ኣብ ከተማ ኦምዶርማን፡ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቲ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ብምድምሩ 46 ሰባት ከም ዝሞቱ ንምንጭታት ዜና ውሽጢ ሃገር ብምውካስ ሮይተርስ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ዋዲ ሳይዲና ዝተባህለ ኣከባቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ዛጊት ዝርዝሮም ዘይተነጸረ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲን ሲቪላውያንን ከም ዘለዎም እቲ ዜና ይጠቅስ። ብዘይካ እቶም ዝሞቱ 46 ተወሰኽቲ 10’ውን ምቝሳሎም ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ካርቱም ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ባሕር ኣሕመድ ከም ዝርከቦም ተፈሊጡ ኣሎ።