ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ዩክሬን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መርገጺ፡ ኣመሪካ ንምዕራፍ እቲ ኲናት እትወስዶ ዘሎ ቅዋም ካብ ወገን ሩስያ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ። ንመርገጺ ኣመሪካ መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳውን እንግሊዝን ክነቕፋ እንከለዋ፡ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ሩስያ ዝዀነ ዲምትሪ ፐስኮቭ ግን “ንመንገዲ ሰላም ዝግበር ሰናይ ድሌት” ክብል ገሊጹዎ።
ኣባላት ሃገራት ሩስያ ካብቲ ሒዛቶ ዘላ መሬት ዩክሬንን ክትስሕብን ዝሓትት ቃና ክእምማ እንከለዋ፡ ብወገን ኣመሪካ ግን “ኣብቲ ኲናት ዝጠፍአ ህይወት ዘሕዝን” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቲ “ኲናት ንምዕራፍ ክሰርሕ፡” ዝብል፡ ብስም ፈልዩ ዘይጠቅስ፡ መግለጺ’ዩ ቀሪቡ። ወኪል ኣመሪካ ዶርቲ ሺያ፡ እቲ መርገጺ ነቲ ኲናት ኣብ መኸተምታ ንምብጻሕ ከም ዝዕልም ገሊጻ።
እቲ መርገጺ ኣብ መወዳእታ 10 ብናይ ድጋፍ ድምጺን ዓዲ እንግሊዝን ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳን ዝግበረኦ ድምጺ ተዓቅቦ ሓሊፉ። ቻይና፡ ሩስያን ኣመሪካን ሰለስተአን ነቲ መርገጺ ደፊፈን’የን። ዝተቓወመት ሃገር ድማ ኣይነበረትን።