ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ደሓን ኩነታት ኣለዉ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ሆስፒታል ገመሊ ዝርከቡ ጳጳስ ፍራንሲስ

ብሰንኪ ዝተሓላለኸ ረኽሲ ሳንብእ ሆስፒታል ዝኣተዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍራንሲስ ፀጥታ ዝሰፈኖ ለይቲ ኣዕሪፎም ሓዲሮም ክትልብ ቫቲካን ሎሚ ሰኑይ ገሊፃ።

ትማሊ ሰንበት ምሸት ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝተዛረቡ ሓካይም ናይ መጀመሪያ ብርኪ ናይ ኲሊት ዘይምስራሕ ከም ዘጋጠሞም ውፅኢት ደሞም እንተሓበረ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እዩ ኢሎም። ፍራንሲስ ኣብ ፅኑዕ ኩነታት ጥዕና ከም ዘለዉ ዝገለፁ እዞም ሓካይም ካብ ቀዳም ጀሚሩ ግን ተወሳኺ ናይ መተንፈሲ ቅልውላው ኣየጋጠሞምን ዘሎ ኢሎም።

88 ዓመት ዝዕድምኦም ጳጳስ ፍራንሲስ ዕድሚኦም፡ ምስ ዝፀንሖም ሕዱር ሕማም ሳንቡእ ኩነታቶም ተኣፋፊ እዩ ኢሎም እቶም ሓካይሞም።

ሆስፒታክ ካብ ዝኣትዉ ሎሚ ሰኑይ 10 መዓልቶም ዘቑፀሩ ንሶም ርእሰ ሊቀ ጳጳሳት ካብ ዝኾኑ ኣትሒዞም ኣብ ሆስፒታል ዝፀንሕሉ እቲ ዝነውሐ ግዜ እዩ።

ቀልቦም እንተስሒቶም ወይ ካልእ ስንክልና እንተ ድኣ ኣጋጢምዎም እንታይ ከም ዝኸውን ከምኡ'ውን ክሰናበቱ ዝኽእሉ እንተኾይኖም እንተታት ክልዓዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ።