​​​​​​​ኣንፈት ዝምድና ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን

  • ዜና ቪኦኤ

ካብ ተሳተፍቲ ኣብ ናሽናል ሃርበር ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ዓቃባውያን

ብሓሙስ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተጋብአ ዋዕላ ዓቃባውያን መደረ ዘስምዐ ምኽታል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ ኣመሪካ ምስ ኤውሮጳ ዝህሉዋ ጽምዶ ክፍለ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

ቫንስ ከምዚ ክብል’ዩ ንመሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ መዘኻኻሪ ኣቕሪቡ፤ "ደጊመ ክብሎን ከዘኻኽሮን ዝደሊ፡ ምስ መሓዙትና ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎና ዝምድና ክንቅጽሎ ኢና። እንተዀነ እቲ ዝምድና፡ ንሕብረተሰባትና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ’ዶ ነእንፍቶ ኣሎና ኣብ ዝብል መርገጺ’ዩ ክምርኰስ።”

ቫንስ ኣብቲ ብናይ እንግሊዘኛ ኣሕጽሮ ቃላት CPAC ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ፡ ዓቃባውያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ዝትረኽቡሉ ኣጋጣሚ’ዩ ነዚ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ላቲን ኣመሪካን የማናዊ መርገጺ ዘለዎም መራሕቲ ተረኺቦም ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ድማ ናይ ብሪጣንያ፡ ፖላንድ፡ ሃንጋሪን ኢጣልያን ይርከቡዎም።

ድሕሪ መደረ ቫንስ ግን ተንተንቲ እቲ ዝዓበየ ምሕዝነት ኣመሪካን ኤውሮጳን ይዳኸም ምህላዉ ይገልጹ። እዚ እምነት ካብ ዘለዎም ሓደ ኣብ ትካል “ሳልሳይ መንገዲ” (Third Way) ዝተሰምየ መጽናዕታዊ ኣሃዱ ምኽትል ፕረዚደንት ዝዀነ ኪም ከስለር’ዩ።

“ኣብ ናይ ዓቃባውያን ዋዕላ CPAC ዘጋጥም ዘሎ ብደቂቕ ክንምርምሮ ኣድላዪ’ዩ። ሓደ ንጹር ዝዀነ ነጥቢ ኣመሪካ ምስ ናይ ቅድም መሓዙታ ሃገራት ኤውሮጳ፡ እንኮላይ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ትፍለ ከም ዘላ’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣስታት 80 ዓመታት ዝወሰደ ዝምድና ዝቕልብስ ምዃኑ’ዩ። እዚ ድማ ንኣመሪካውያንን ኤውሮጳን ኣዝዩ ከገድስ ዝኽእል’ዩ፡” ይብል ከስለር።

ምስ መርገጺ ምምሕዳር ትራምፕ ዝሰማምዑ መራሕቲ ኤውሮጳ ግን ኣለዉ’ዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝዀነ ባላስስ ኦርባን ንኣብነት፤ "እቲ ኲናት ክዛዘም ኣለዎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ቅኑዕ’ዩ ዘሎ። ኣቐዲሙ ብናይ ሃገርና ቀዳማይ ሚኒስተር’ውን ከም ዝተባህለ፡ እቲ ኲናት ካልእ ኲናት እናፈጠረ ክጋፋሕ’ዩ ጸኒሑ። ሓደ መዕረፊ ከይተገብሮ ድማ ደው ክብል ኣይክእልን። ድሮ ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ ኣሎ። ስለዚ ደው ክብል ኣለዎ።”

ዲያና ዮቫኖቪዝ ይሱሳስካ፡ ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኰይና፡ ንናይ ሩማኒያ የማናዊ ሰልፊ እትመርሕ’ያ። ናብዚ ዋዕላ ብምምሕዳር ትራምፕ ከም ዝተዓደመት ዝገለጸት ይሱሳሳካ ኣብዚ ናይ ዓቃባውያን ዋዕላ ክትሳተፍ ፈለማኣ ምዃኑ ትነግር። እንተዀነ ኣብ ሓያለ ወገናቱ ምስ መርገጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ይሰማምዕ ብዝብለቶ መርገጺታት ካብ ሃገራዊ ምርጫ ናይ 2024 ከም ዝተኣልየት ትሕብር።

ንሳ ከም እትገልጾ፡ ምስ ሓያሎ መርገጺታት ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣይተሰማምዕን’ያ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)’ውን ንዂናት ዝዕድም ምዃኑ’ያ እትኣምን። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ክታበት ምሃብ መከላኸሊ ጨርቂ ምሽፋንን ስለ ዝተቓወመት ድማ በቲ ዝሰዓበ ርእይቶታት ህዝቢ ካብ ተሳታፍነት ምርጫ ከም ዝተኣገደት ትነግር።

ዋዕላ ዓቃባውያን ኣቐዲሙ ንዶናልድ ትራምፕ ናብ ፖለቲካዊ መሪሕነት የመናዊ ክንፊ ክመጽእ መንገዲ ዝጸረገ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ። ኣብ ቀዳማይ እብረ መዝነቱ ኣብቲ ዋዕላ’ውን መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ጽባሕ ቀዳም’ውን ቃል ከስምዕ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ ከም ጸብጻብ ኣኒታ ፓወል።