ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ክቱር ዋዒን ምውዳቕ ተመሃሮን፡ ደቡብ ሱዳን ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚራ ንዝመጽእ ክልተ ሰሙናት ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕጾ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምርሒ የሕሊፉ።
ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ንምኽትል ሚኒስተር ትምህርቲ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ ጁባ ጥራይ ብሰንኪ ዘሎ ዋዒ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 12 ተመሃሮ ክወድቁ ጀሚሮም ኣለዉ። መብዛሕትኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቡብ ሱዳን ንምቖት ክቆጻጸር ዝኽእል ትሕተ-ቅርጺ ስለ ዘይብሉ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣዝዩ ከም ዝዕንቅፍ እቲ ዜና ይጠቅስ።
እታ ክቱር ምልውዋጥ ዋዒ ዘጋጥማ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምቖት ክሳብ 42 ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ወይ ድማ 107 ዲግሪ ፋራንሃይት ክበጽሕ ምዃኑ ትንባየ ኩነታት ኣየር የመልክት።
ተመሃሮ ጥራይ ዘይኰኑስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን በብእብረ ክሰርሑ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ሚኒስተር ኣከባቢ እታ ሃገር ኣሚሙ ኣሎ።