ትንታነ — ዕርቂ ሩስያን ኣመካን

Your browser doesn’t support HTML5

ተወከልቲ ዩክሬን ኣብ ዘይተረኽቡሉ፡ ብሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ሩስያን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ርክብ ኣካዪዱ ኣሎ። ንትግባረ እዚ ዘተ ሰላም ከመይ ክሳለፍጥ ከም ዝኽእል ንትንታኒ ተወኪስናዮ ኣሎና። ኣብዚ ርክብ ካብቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ዩክሬንን ኤውሮጳን የለዉን። ንምዃኑ እዚ ዘተ ንምዕዋት ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ይመስል? ዕርቂ ዩክሬንን ሩስያን ክፈጥሮ ዝኽእል ካልእ ዓቢ ምስሊ’ኸ? ንምብራህ ኣቶ ሓጐስ ገብረ ተወኪስናዮ ኣሎና።