ህጹጽ ኣኼባ ኤውሮጳ ኣብ ዞባዊ ጸጥታ

Your browser doesn’t support HTML5

መራሕቲ ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ደሕንነት ኤውሮጳን ንምልዛብ ትማሊ ሰኑይ ህጹጽ ኣኼባ ቅልውላው ኣካይዶም። ጸብጻብ ሄንሪ ሪጅወል ከምዝሓበሮ እቲ ኣኼባ ዝተገብረ ድሕሪ'ቲ ብዋሽንግተን ዝተራእየ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው፡ ኣመሪካ ነቲ መሰረት ድሕነት ኤውሮጳ ዝኾነ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘለዋ ውፍይነት ዝምልከት ጥርጣረታት ኣብ ዝተፈጥረሉ እዋን'ዩ።