ውድብ ህወሓት 50 ዓመት ምስረታኡ ኣኽቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ውድብ ህወሓት 50 ዓመት ምስረታኡ ኣኽቢሩ

ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ተሊምዎ ዝነበረ ናይ ኣደባባይ በዓል ከምዝሰረዞ አፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ኣመራርሓኡ ክፍፍል ዝገጠሞ ህወሓት መበል 50 ዓመት ምስረታኡ ሎሚ 11 ለካቲት ኣኽቢሩ።

ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ተሊምዎ ዝነበረ ናይ ኣደባባይ በዓል ከምዝሰረዞ አፍሊጡ።

ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበረ ኣከባብራ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል “ሓጋዊ ሰውነት ህወሓት ዘይምምላስ ናበ ዘየድሊ ምስሕሓብ ዘእቱን ሰምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ፡” ኢሎም። ቀዳማይ ሚነስትር ኣብይ ኣሕመድ እውን ንህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣብፀሐኩም ዝብል መልአኽቲ ኣሕሊፎም።