ውድብ ህወሓት 50 ዓመት ምስረታኡ ኣኽቢሩ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ መንጎ ኣመራርሓኡ ክፍፍል ዝገጠሞ ህወሓት መበል 50 ዓመት ምስረትኡ ሎሚ 11 ለካቲት ኣኽቢሩ። ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበረ ኣከባብራ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል “ሓጋዊ ሰውነት ህወሓት ዘይምምላስ ናበ ዘየድሊ ምስሕሓብ ዘእቱን ሰምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ፡” ኢሎም። ቀዳማይ ሚነስትር ኣብይ ኣሕመድ እውን ንህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣብፀሐኩም ዝብል መልአኽቲ ኣሕሊፎም።