ድሕሪ ርክብ ላዕለዎት መሪሕነትን ኣመሪካን ሩስያን
Your browser doesn’t support HTML5
ብሚኒስተራት ወጻኢ ክልተ ሩስያን ኣመሪካን ዝተመርሐ ንኲናት ዩክሬን ንምዕራፍ ዝዓለመ ርክብ ሎሚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተቓኒዑ ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ርክብ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ነቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቐረበ ኲናት ንምዕራፍ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ዩክሬን ግን ኣካሉ ኣይኰነትን። ኣብዚ ዘተ ብዛዕባ ጸጥታ ዩክሬንን ዶባት ክልተ ሃገራትን ኣመልኪቶም ክዛራረቡ ምዃኖም ሮይተርስ ኣስፊሩ ኣሎ። እንተዀነ ኣስታት ሓደ ሕምሲት መሬታ ብሩስያ ተታሒዙ ከም ዘሎ’ዩ ሮይተርስ ዝሕብር።