ኪዳን ኔቶ ድሕሪ መደረ ሚ/ር ምክልኻል ኣመሪካ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ብራስለስ ንተጋብእቲ ዋዕላ ኪዳን ሰሜት ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ሓዊሱ ኣስታት 50 ሃገራት መሓዙት ዩክሬን መደረ ዘስምዐ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ቀዳምነታት ሃገራቱ ኣነጺሩ ኣሎ። ንመደረ እቲ ሚኒስተር ስዒቡ ድማ እቲ ኪዳን ደጊሙ ምስ ነብሱ ክመሓሰብ ማዕጾ ከፊቱ ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ መደረኡ፡ ሃገሩ ሓያሎ ንጸጥታኣ ዘሻቕሉ ጉዳያት ስለ ዘለዋ ቀዳምነት ሂባ እትሰርሓሉ ዘቤታዊ ጸጥታ ምዃኑ ተዛሪቡ።