ሕቶ ሰላም መናእሰይ ኢትዮጵያ
Your browser doesn’t support HTML5
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝረኣዩ ዘለው ግጭታት ብሰላም ክፈትሕ መናእሰይ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፉ መናእሰይ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋዕ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይፀልዎም ምህላው ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እቶም መንእሰያት ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ በበይኑ ጎንፅታት ምዃኖም'ዮም ዝገልፁ።