ሙኒክ ጀርመን -- ናብ እኩብ ህዝቢ ብናህሪ ዝእተወ መራሒ መኪና 28 ኣቝሲሉ

ሙኒክ ንዓቢ ዋዕላ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ ሓለዋ ኣብ ዝጸንከረሉ እዋን'ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ

ዝተሓደሰ --ሓደ መራሕ መኪና፡ ሎሚ ሓሙስ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ የካይዳሉ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ፡ ንሂሩ ብምዝዋር ብውሑዱ 28 ሰባት ኣቝሲሉ። ነቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽአ ሓታቲ ዑቕባ ምዃኑ ፖሊስ ድሕሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።

ዛጊት ዝሞተ ሰብ ከም ዘየለ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ገለ ካብቶም ቍሱላት ግን ብኸቢድ ከም ዝተሃርሙ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ፖሊስ ንዘዋሪ መኪና ብጥይት ድሕሪ ምህራሞም’ዩ ዘዋሪ ተወጊኡ ደው ክብል ክኢሉ። ጥርጡር ቅድሚ ሎሚ ኣብ ንኣሽቱ ስርቂን ካልእ ዘይሕጋዊ ገበናትን ዝተሓሓዝ ጥፍኣት ፈጺሙ ምንባሩ መዛግብቱ የመልክቱ። እንተዀነ ምስ ግብረ-ሸበራ ምትእስሳር እንተለዎ ገና ኣይነጸረን።

ሓደጋ ሙኒክ፡ እታ ከተማ ጽባሕ ዓርቢ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት--ካብ መንጎኦም ፕረዚደንት ዩክሬንን ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ.ዲ. ቫንስን ንምእንጋድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብመካይን ብናህሪ ናብ እኩብ ህዝቢ ምጥሕሳስ ዝውትሩ ኣገባብ ጃምላዊ ቅትለት እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ቅነ በዓል ልደት፡ ኣብ ማግድበርግ ጀርመን፡ ሓደ ስዑዳዊ ዶክተር ናብ እኩብ ህዝቢ ብናህሪ ምዝዋር ሽዱሽተ ቀቲሉ፡ ኣስታት 300 ድማ ምቝሳሉ ይዝከር።

ንምርጫ ኣብ እትዳሎ ዘላ ጀርመን፡ ጉዳይ ስደተኛታት ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።