ጉዳይ ምግዓዝ ፍልስጤማውያን ድሕሪ ርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ዮርዳኖስን

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንወሽመጥ ቓዛ ክትቆጻጸርን ኣብኡ ዝነብሩ ፍልስጤውያን ድማ ንዅሉ ግዜ ናብ ካልእ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምግዓዞም መደብን ደጊሙ ንመራሒ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ካልኣይ ኣፍሊጡ። ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ማንታ ስግኣት ኣለዎም። ብሓማስ ክልቀቑ ተስፋ ዝተነብሮም ጂሆ ዝተታሕዙ ዜጋታት ኣብ እዋኑ ምስ ዘይከውን ናብ ኲናት ከይምለሱን ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ከይስርዞን።