ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሓገዛት ወጻኢ
Your browser doesn’t support HTML5
ምምሕዳር ትራምፕ ንመደባት ረዲኤት ወፃኢን ብቐንዱ ድማ ንዓለምለኻዊ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ኣብ ዝህቦም ሓገዛት ዳግመ ገምጋም ክገብር ምዃኑ ይግልፅ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስቲ “ቀዳምነት ንኣመሪካ” ዝብል ኣቀራርባኦም ኣተኣሳሲሮም ሃገሮም ምስ ካልእ ክፋል ዓለም እትራኸበሉ ኣገባብ ዓብዪ ለውጢ ከምፅኡ ምዃኖም ደጋጊሞም ቃል ክኣትዉ ተሰሚዖም እዮም።