መራሒ ናሚብያ ነበር -- ሳም ንዮማ -- ዓሪፉ

  • ዜና ቪኦኤ

ንዮማ ነቲ ነዊሕ ብረታዊ ቃልሲ ናሚብያ ዝመርሐ'ዩ

ንብረታዊ ቃልሲ ናሚብያ ዝመርሐን ናይ ፈለማ ደሞክራሲያዊ ፕረዚደንት ናይታ ደቡባዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ናሚብያ ዝነበረን ሳም ንዮማ ብቐዳም ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድመኡ ዓሪፉ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ስደት ንኣስታት 30 ዓመታት ዘሕለፈ ንዮማ፡ ኣብ 1990’ዩ ናብታ ሃገር ተመሊሱ ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ሃገራዊ ምርጫ ተዓዊቱ መራሒ ሃገር ኰይኑ። ናሚብያ ናጽነታ ክትወስድ እንከላ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣፓርታያድ ደቡብ ኣፍሪቃ’ያ ን ነይራ።

ብፓራላማ እታ ሃገር ኣብ 2005 ወግዓዊ “ኣቦ ናሚብያ” ዝብል ናይ ክብሪ መዓርግ ዝነበሮ ንዮማ፡ ብዝነበሮ ተሪር ጸጋማዊ መርገጺን ምትእስሳር ምስ ደምበ ማሕበርነትን’ውን ንሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ዘይቅርዑው ዝምድና ዝነበሮ’ዩ።