ንፈለማ እዋን ኣብ መዝነት ዘሎ ፕረዚደንት ዝተረኽቦን ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየ ዓመታዊ ስፖርትን ዝዀነ ዛዛሚ ግጥም ኵዕሶ እግሪ ኣመሪካ ሱፐርቦል ሰንበት ምሸት ኣብ መንጎ ካንሳስ ሲቲን ፊላደልፊያ ኢግልስ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፡ ብዓወት ኢግልስ 40 ብ 22 ተዛዚሙ። 41 መዓልታት ድሕሪ ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ዝነበረ ጃምላዊ ምጥጝሳስ መኪና ነዚ ዓቢ ጸወታ ዘእንገደት ኒውኦርሊንስ፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታ’ዩ እዚ ዓቢ ስፖርታዊ ግጥም ተኻዪዱዋ፡ ብሰላም ከኣ ሓሊፉ።
ተሪር ዓንዲ ምክልኻል ዘርኣዩ ኢግልስ፡ ማዕጾኦም ኣትሪሮም፡ ንኮኾብ ቺፍስ ዝዀነ ፓትሪክ መሆመስ ዕድል ኣይፈጠርሉን።
ካንሳስ ቺፍስ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣከታቲሎም ንዋንጫ ዝወሰዱ ኰይኖም፡ ሃትሪክ ንምስራሕ ዓሊሞም ኣትዮም፡ ግን ኣይቀንዖምን።
ኣብቲ ሚልዮናት ኣመሪካውያንን ተኸታትልቲ ሙዚቃን ብሃንቀውታ ዝጸበዩዎ ናይ ዕረፍቲ እዋን ባህላዊ ምርኢት፡ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ሙዚቃ ግራሚ ዝዀነ ካንድሪክ ላማር’ዩ በዓል ክብሪ እታ ምሸት ኰይኑ። ላማር ነታ ንድምጻዊ ድሬክ ዝሕጭጨላን ሽልማት ግራሚን ዝተዓወትት “ኖት ላይክ ኣዝ” (“Not Like Us”) እትብል ደርፉ’ውን ደሪፉዋ’ዩ።