ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ኣመሪካ፡ ጽላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዓቢ ክፍተት የጋጥሞ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ቀረባ መዓልታት ስራሑ ደው ዘበለ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ኣሃዱ ምክልኻል ኤይድስ (UNAIDS) ፡ ድሕሪ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመሪካ ከቢድ ክፍተት ከጋጣሞ ምዃኑ ናይቲ ትካል ጨንፈር ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 503-ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ መናውሒ ከኒን ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ (ARV) ከም ዝወስዱ ዘመልከት እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ካብቶም ቀንዲ መወልቱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ስራሑ ደው ዘበለ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ምንባሩ ይሕብር። ንድምጺ ኣመሪካ ሓበሬታ ዝሃቡ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ብተዘዋዋሪ ሓገዝ ትካላት ኣመሪካ መሃያኦም ዝኽፈሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ውዕሎም ከቋርጹ ከም ዝተገብረ ኣመልኪቶም።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ድምጺ ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ናይ መብርሂ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ዘሕለፎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ንወጻኢ ሃገራት ዝግበር ሓገዛት ንግዜኡ ደው ከም ዝበለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንኣዝዮም ወሰንቲ ዝዀኑ ተበግሶታትን ንምክልኻል ኤችኣይቪ/ኤይድስ ዝውዕል ሓገዝን ግን ብፍሉይ ንክቕጽል ትእዛዝ ሂቡ’ዩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማርኮ ሩቢዮ’ውን ብሰሉፍ ንህጹጽ ጉዳያት፡ ቀረባት መድሃኒትን መጽለሊን ዝወሃብ ሓገዝ ብፍሉይ ኣጽዲቑ ኣሎ።