ጃምላዊ መቕተልቲ ሽወደን -- ብዓይኒ ነባሪ’ቲ ሃገር
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ሽወደን ትማሊ ሰሉስ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ተመሃሮ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ብዝፈነዎ ናይ ኣድራጋ ተዅሲ፡ ንነብሱ ዝሓወሰ 11 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ። ኣብ ሽወደን እዚ ልሙድ ተርእዮ ኣይኰነን። ፖሊስ ዛጊት መንነትን ድፍኢት ኣጣቃዒ ኣይሓበረን። ብዛዕባ’ቲ ሰሉስ ዘጋጠመ ጃምላዊ መጥቃዕቲን ካልእ ብዛዕባኡ መብርሂ ንኽህበና እምበኣር ነንባሪ ስቶኮሎም ሽወደን ዝዀነ ሮቤል ተኽላይ ተወኪስናዮ ኣሎና።