ዋሺንግተን ዲሲ —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናላድ ትራምፕ ሰሉስ ምሸት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታያሁ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ንዅሉ ግዜ ናብ ካልእ ዝወሓሰ ቦታ ንምግዓዞም ዝሓሸ ኣማራጺ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ናይ ምግዓዝን ዳግመ-ምጥያስን መደባት ነዊሕ እዋን’ውን ክወስድ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ከም ተኽእሎ ግን ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ ኢሉ። እቶም ብግፍዒ ዝሳቐየሉ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ናብ ካልእ ቦታ ምስ ገዓዙ፡ ነቲ ቦታ ክትሕዞ ዝኣመመ ፕረዚደንት ትራምፕ ብጽቡቕ ከተልምዖን ዝበልጸ ስፍራ ክትግበሮን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ጠቒሱ።
እንተዀነ፡ ነቲ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ናብ ካልእ ስፍራ ንምግዓዞም ዝብል ሓሳባት ፕረዚድነት ትራምፕ ብሓያሎ ጎረብባቲ ሃገራት ተነጺጉ ኣሎ።