ዘይሕጋዊ ፈንታኔል ብመንገዲ መክሲኮ ኣቢላ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ እኹል ክልከላ ኣይገበረትን ዝተባህለት ቻይና፡ ከም ኣምሳያ ናይቲ ጥፍኣት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ 10% ወሰኽ ግብሪ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ገይሩ። ቻይና’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ከሰልን ዝተዓሸገ ባህርያዊ ጋዝን ናይ 15% ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሕርሻን ካልእ መሳርሒ ንብረት መካይንን ናይ 10% ወሰኽ ከም እትግብር ኣፍሊጣ።
ብወገን ቻይና ዝግበር ወሰኽ ግብሪ ካብ መዓስ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ግን ዛጊት ኣይነጸረን።
ምስ ክልተ መራሕቲ ብሰኑይ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሉ መክሲኮን ካናዳን ኣሚሙዎ ዝነበረ ወሰኽ ግብሪ ብሓደ ወርሒ ኣናዊሑዎ’ዩ። መክሲኮ 10-ሽሕ ሰራዊት ብምውፋር ንስግረ-ዶብን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ዕጸ-ፋርስን ደው ከተብሎ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ ኣላ። ካናዳ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ክልከላ ዓቢ ስጉምቲ ከም እትወስድ ጠቒሳ ኣላ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቀረባ እዋን ንምዝርራብ መደብ ከም ዘለዎ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ዝወጽአ መምርሒ ይሕብር።