ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሰኑይ ምስ መራሕቲ ካናዳን መክኪኮን ኣብ ጉዳይ ወሰኽ ግብሪን ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያትን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ እቲ ሰሉስ ተግባራዊ ክኸውን ተመዲቡ ዝነበረ ናይ 25% ወሰኽ ንሓደ ወርሒ ተናዊሑ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ድሕሪ’ቲ ርክብ፡ ሃገሩ ብፍሉይ ንዋሕዚ ፈንታኔል ዝቆጻጸር ኣሃዱ ኣቚማ ንዶባት ክልተ ሃገራት ውሑስ ንምግባሩ ክትሰርሕ ምዃና ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።
ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ’ውን ንምስግጋር ትግባረ እቲ ወሰኽ ግብሪ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕን ፕረዚደንት መክሲኮ ክላውዲያ ሼንቡዎማ’ን ክልተኦም ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ዘካፈሉዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ወሰኽ ግብሪ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሖሞ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኣብቲ ክልተኣዊ ርክብ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማርኮ ሩቢዮ፣ ሚኒስተር ትረጀሪ ስካት በሰትን ሚኒስተር ንግዲ ሆዋርድ ላትኒክን ተሰንዩ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝተነበረ ናይ 10% ወሰኽ ግብሪ ዛጊት ዕጫኡ ዛጊት ኣይተጸረን። ኣብ ቀረባ እዋን ግን ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ንምርኻብ መደብ ሒዙ ኣሎ።
መክሲኮ ንሓለዋ ዶባት ንምሕያል ተወሳኽቲ 10-ሽሕ ወታሃደራት ከም እተዋፍር ፕረዚደንት ሼንቡዎማ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን’ውን ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ መክሲኮ ተወሳኺ ግብሪ ከም ዝስልዕ ኣጠንቂቑ ነይሩ’ዩ። ኣብ እዋኑ 15-ሽሕ ተወሳኺ ሰራዊት ልኢኻ ሓለዋ ከተሐይል ምዃና ግን መክሲኮ ነጊራን ካብቲ ተባህለ ተወሳኺ ግብሪ ድሒናን።