ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ሶማሊያ መጥቃዕቲ ኣዚዙ

  • ዜና ቪኦኤ

ሰውዊት ፑንትንላድ ብቐድሚ ሬሳ ኣባል ዳዕሽ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መሪሕነት ጥሩፍ እላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ጨንፈር ሶማሊያ ብነፈርቲ ዝተሓገዝን ዕላማ ፈልዩ ዝሃርምን መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣዚዙ። ትራምፕ ዝርዝር ናይቲ ዝካየድ መጥቃዕቲ ኣየነጸረን።

ፑንትላንድ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ዝኣወጀት ኰይና፡ ሎሚ ቀዳም’ውን ኣብቲ እቲ ጉጅለ ተሓቢኡሉ ዘሎ ጎቦታት መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ጸብጻባት የመልክቱ። እንተዀነ ኣመሪካ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ እንተለዋ ዛጊት ኣይነጸረን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ፡ “እቶም ኣብ በዓታት ተሓቢኦም ዘለዉ ቀተልቲ፡ ንድሕነት ኣመሪካን መሻርኽቲን ቀጻሊ ስግኣት ኰይኖም፡ ሕጂ ግን ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዘለዉ ከም ዝህደኑን ዝቕተሉን ኰይኑ ኣሎ፡” ኢሉ ጽሒፉ።

መራሒ እቲ ጉጅለ ዓብዱልቃድ ሙሚን ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ብኣመሪካ ዝተፈነወ ናይ ቅንጸላ ፈተነ ኣምሊጡ’ዩ።

ኣብዚ ዝደሓረ መጥቃዕቲ እቲ ቀንዲ ዕላማ ንሱ እንተ ነይሩ ግን ዛጊት ኣይንጸረን።