ዋሽንግተን ዲሲ —
ሰኑይ 20 ጥሪ መዝነት ዘረከበ ጆ ባይደን፡ ናይ ልዕሊ 50 ዓመታት ጻንሖት ዋሺንግተንን ፖለቲካ ኣመሪካን ዛዚሙ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍን ካልእ ስፍራን ኣምሪሑ ኣሎ።
ባይደንን ስድራኡን ናብ ዝጸመወን ብሕትዉን ስፍራ ናብ ካሊፎርኒያ’ዮም ቀኒዖም ዘለዉ።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምጥርናፍን ምጽፋፍን ኣባላት ምምሕዳሩ፡ ባይደን ንዅላቶም ምስኡ ዝሰርሑ ብምምስጋን፡ ነቶም ንቦታኡ ዝትክኡ ዘለዉ ስድራን ምምሕዳርን ጽቡቕ ናይ ስራሕ እዋን ተመንዩ።
“እዚ ቤት ጽሕፈት ንገድፎ ኣሎና። እዚ ማለት ግን ቃልሲና ኣኸቲምና ማለት ኣይኰነን፡” ኢሉ ባይደን ነቶም መሳርሕቱ ዝነበሩ ቃልሶም ክቕጽሉን ከሐይሉን ብምትብባዕ። ቀጺሉ ባይደን ብናይ ዋዛ ቃና “መደረ ቃለ-ማሕላ ሰሚዕናዮ ኣሎና፡ ብዙሕ ዝስራሕ ድማ ክህልወና’ዩ፡” ኢሉ ቅድሚ ካብቲ ቦታ ተሰናቢቱ ምኻዱ።
ባይደን ስድራኡን በታ ፍልይቲ ነፋሪት ኣቢሉ ናብ ሳንታ ነዝ ካሊፎርኒያ’ዩ በሪሮም።