ዋሽንግተን ዲሲ —
ሎሚ ሰኑይ 20 ጥሪ፡ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ቃለ-ማሕላ ብምፍጻም ዳግም ናብ ቤተ-መንግስቲ ንምምላስ ይዳሎ ኣሎ። ኣብቲ ብሰንኪ ክቱር ቀዝሒ እቲ ልሙድ ናይ ደገ ጽንብል ቃለ-ማሕላ ናብ ውሽጢ ካፒቶል ተሰጋጊሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ታሪኻዊ ምምላስ ዝቀራረብ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት’ዩ ናብዚ ብዓቢ ጸብለልታ ዝሰዓረሉ ዓወት ዝምለስ ዘሎ። ክልተ እዋን ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸሞን ሓያሎ ክስታት ዝተመስረተሉን ትራምፕ፡ ኣብዚ ምርጫን ንሱን ሰልፊ ርፓብሊካውያንን ዓብላልነት ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ኣመሪካ ስለ ዝሓዙ፡ ንዝመጽእ ዘመን ምምሕዳር ኣመሪካ ብዓቢ ክጸልዉ ዝኽእሉ ፖሊሲታት ክቕይሱ ከም ዝኽእሉ ይእመን።
ትራምፕ ኣከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ዋሺንግተን ዲሲ’ዩ ኣብ ውሽጢ ካፒቶል ሮቱንዳ ዝተሰምየ ህንጻ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም።