ደቡብ ሱዳን -- ህዝባዊ ቍጠዐ ናብ ሰዓታት እቶ-እቶ መሪሑ

ስእሊ ፋይል -- ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ዘላ ጁባ

ኣብ ጁባ ርእሰ-ከተማ ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ቅትለት 29 ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ወድ-መደኒ ሱዳን፡ ብዝሰዓበ ህዝባዊ ናዕቢ እታ ከተማ ሓሙስ ተናዊጻ ኣምስያ። ድሕሪ’ቲ ህዝባዊ ቍጠዐ፡ ነበርቲ፡ ትካላት ንግዲ ክዝርፉን ከዕንዉን ድሕሪ ምጅማሮም ድማ ሎሚ ዓርቢ ፖሊስ እታ ሃገር ካብ ሰዓት 6፡00 ምሸት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ጁባ ሰዓታት እቶ-እቶ ኣዊጁ ኣሎ።

ህዝባዊ ቍጠዐ ዘስዓበ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብቲ ዝተሓደሰ ውግእ 29 ደቡብ ሱዳናውያን ከም ዝተቐትሉ ድሕሪ ምንጋሩ’ዩ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ወድ-መደኒ ተቐቲሎም ዝተባህሉ ደቡብ ሱዳናውያን ኣየስፈረን።

ኣብ ጁባ ሎሚ ዓርቢ ንግሆ መብዛሕትኦም ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም፡ ፖሊስ ድማ ንምክትታል ክዘሩ ከም ዝውዓሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ የመልክት።

እንተዀነ ኣብ ጁባን ካልኦት ክልተ ከተማታትን ሓጸርቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ተራዮም ነይሮም።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዜጋታት ክሃድኡን ክልተ መንግስታት ድማ ነቲ ጉዳይ ክምርምሩ ክግደፉ ከም ዘደሊን ጸዊዑ።

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ዝተነጸለትን ኣብ ዓለም ዝሓደሰት ሃገርን ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ኣተስፋዊ ጅማሮ ብሓያል ቍጠባዊ ቅልውላን ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት እትሳቐ ዘላ’ያ።