ዝተሓደሰ--ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ብሓማስ ቀሪቡ ዝበሎ ናይ መወዳእታ ጠለባት ክሳብ ዝጻፈፍን ንጹር መርገጺ ክሳብ ዝህሉን ካቢነኡ ነቲ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዘይፍጽሞ ገሊጹ።
ናታንያሁ፡ ዝርዝር ናይቲ ብሓማስ ቀሪቡ ዝበሎ ናይ መወዳእታ ጠለባት ኣየቕረበን። ኣባል ፖለቲካዊ መሪሕነት ሓማስ ዝዀነ ሳሚ ኣቡ-ዙሃሪ ግን እቲ ናታንያሁ ዘቕርቦ ዘሎ ምኽንያት “መሰረት የብሉን፡” ክብል መሊሱ።
እቲ ዝተባሃለ ቅድመ-ኩነት ከይተኣልየ፡ ሎሚ ሓሙስ ተራኺቡ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከጽድቖ ትጽቢት ዝተገብረሉ ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ዛጊት ኣይተራኸበን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ክልተ ወገናት ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ከም ዝበጽሑ ሸምግለቲ ብረቡዕ ድሕሪ ምንጋሮም፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትገብሮ ደብዳብ ቀጺላ፡ ድሕሪኡ ጥራይ 72 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣመልኪቱ።
ናይ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ዓቢ ዕንወት ዝተራእየሉ ኲናት ቓዛ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ቓጣርን’ዩ ኣብ ሽምግላና ዝበጽሕ ዘሎ። ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ኣፈናዊ ምርድዳእ፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ሰሙናት 33 ካብቶም ሓማስ ጂሆ ሒዛቶም ዘለዉ እስራኤላውያን ናጻ ክልቀቑ እንከለዉ፡ እስራኤል ብወገና ኣማኢት ፍልስጤማውያን ክትፈትሕ’ያ።
ድሒሩ ኣብ ዝተዘርግሐ ዜና፡ ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ንዓርቢ ተኣኪቡ ነቲ ንድፊ ከጽድቖ'ዩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ሰብ-መዚ እስራኤል ብቐረባ ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ነይሩ።