ብሰንኪ ኣከራኻሪ ውጽኢት ምርጫ፡ ሞዛምቢክ ንኣዋርሕ ብናዕቢን ዘይምርግጋእን ክትሕመስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሰልፊ ፈረሊሞ መሪሑ ተዓዋቲ ዝተባህለ ዳኒኤል ቻፖ ሎሚ ረቡዕ ቃለ-ማሕላ ፕረዚደንትነት ፈጺሙ።
ወዲ 48 ዓመት ቻፖ፡ ንመሪሕነት ሰልፊ ፍረሊሞ ንልዕሊ 50 ዓመታት ከቕጽሎ’ዩ።
“ኣተኵሮይ ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ምርግጋእ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ደሞክራሲ ምዕንባብን ልዕልና ሞዛምቢካውያን ምርግጋጽን’ዩ፡” ኢሉ ቻፖ ኣብቲ ብኸቢድ ሓለዋ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቃለ-ማሕላ።
ኣብ መንጎ መንእሰያት ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎን እቲ ምርጫ ተሰሪቑ ኢሉ ዝኣምንን ተወዳዳሪ ቨናሺዮ ሞንዳለን ብወገኑ፡ ክሳብ’ቲ ድሮ ስነ-ስርዓት ቃለ-ማሕላ በቲ ዝመርሖ ዝነበረ ተቓውሞታት ኣቢሉ ነቲ ዝመጽእ መንግስቲ "ከልምሶ" ምዃኑ ተዛሪቡ።
“ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ተቓውሞና ከነርኢ ኢና፡” ፈኪሩ ሞንደለን።
ብ9 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ሞዛምቢክን ዝሰዓበ ሰንሰለታዊ ጎንጺን ልዕሊ 300 ዜጋታት እታ ሃገር ቀቲሉ’ዩ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።