መቐለ —
ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ጥራይ ኣስታት 900 ዝበጽሑ ሰብ-ሞያ ጥዕና እንተስ ካብቲ ክልል ወይ ካብ ሃገር ወጺኦም ወይ ድማ ነቲ ሞያ ከም ዝሓደጉ ማሕበር ሰብ-ሞያ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ። ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ንድምፂ ኣመሪካ ከም ዝገለፆ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ቍጠባን ብዝፈጠሮ ፅዕንቶ፡ ወርሓዊ ኣስታት 80 ሰብ ሞያ ካብቲ ክልል ይወጽኡ ኣለዉ። ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ብወገኑ፡ እቶም ሞያውያን ዝፀንሑሉን ዝቕፅልሉን መንገዲ ንምፍጣር መጽናዕቲ ይገብር ከም ዘሎ ይገልፅ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ፍልሰት ሰብ-ሞያ ጥዕና ክልል ትግራይ