ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ካብ ኣቦ-መንበርነት እቲ ንሱ ዝመርሖን ንካናዳ ዘማሕድር ዘሎን ሊበራላዊ ሰልፊ ብፍቓዱ ምውራዱ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰልፊ ካልእ ኣቦ-መንበር ክሳብ ዝትክእ ግን ትሩዶ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኰይኑ ክቕጽል’ዩ።
ትሩዶ ኣብቲ ካብ መዝነቱ ዝወረደሉ ዝገለጸሉ ምኽንያት፡ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝገበሮ ስራሕ ዓቢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይሳቐ ስለ ዘሎ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ኩነታት ዝመርሓ ካልእ ሰብ ክቕጽል ከም ዝመርጽ ገሊጹ።
መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሕልፊ ድማ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳ ዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ወሰኽ ክብሪ ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ኣብ ሰንሰለታዊ ቅልውልው’ዩ ጸኒሑ።
ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ንካናዳ ዝመርሐ ካልኣይ ዝነኣሰ ሰብ ምዃኑ ዝግለጽ ትሩዶ፡ ንዝመጽእ ምርጫ ክሳተፍ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ሊበራላዊ ሰልፊ ድሕሪ ዝሰዓበ ዘይዕጉብነት ግን ክወርድ ምምራጹ ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣነጺሩ።
ጥምረት ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን ሓቢሮም ንሊበራላዊ ሰልፊ ናይ ድጋፍ ድምጺ ክኸልኡዎ ምዃኖም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።