ባይደን፡ ንሊዝ ቸንይ ዝለዓለ ፕረዚደንታዊ ሽልማት ይህብ፡ ትራምፕ ግን -- “ክትእሰር ዘለዋ”

ንፕረዚደንታዊ ሽልማት ዝበቕዑ መራሕቲ መርመራ መጥቃዕቲ ካፒቶል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ኣብ ዝግበር ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ፍሉይ ኣበርክቶ፡ ንመርመራ መጥቃዕቲ ካፒቶል ዝመርሑ ሊዝ ቸንይን በኒ ቶምሰንን ካብ መንጎ ዝሽልሞም ክዀኑ’ዮም።

እዚ ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንዝርከቡ ዝዕደል ካልኣይ ዝዓበየ ፕረዚደንታዊ ሽልማት፡ ነቶም መርምራ ዝመርሑ ሓዊሱ ኣብ በበይኑ ዓውድታት ድልዋ ንዝፈጠሩ 20 ዜጋታት ክወሃብ’ዩ።

ንፕረዚደንታዊ ሽልማት ዝበቕዑ ዘለዉ ቶምሶንን ቸንይን ነቲ ብደገፍቲ ናይ እዋኑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ህንጻ ቤተ መንግስቲ ተፈጺሙ ንዝተባህለ መጥቃዕቲ ዘጻሪ ኮሚተ ዝመርሑ ኰይኖም፡ ሊዝ ቸንይ ድማ ካብ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ኰይና ኣንጻር ትራምፕ ተሪር መርገጺ ዝወሰደት’ያ። ቶምሶን ግን ካብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ምዃኑ'ዩ።

ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ “ፕረዚደንት ባይደን ነቶም ንኣመሪካ ሰላማዊ ህይወት ንምምራሕ ዘኽእሉ ኣብነታውያን ክብሪ ዝህብ’ዩ፡” ይብል።

ዝሓለፈ ዓመት ካብ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ፍሉይ ሽልማት ካብ ዝበቕዑ፡ ንመጥቃዕቲ ቤተ-መንግስቲ ካፒቶል ዝተኻላኸሉ ኣባላት ሓለዋ ይርከቡዎም።

ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ መደበር ቴለቪዥን ኤንቢሲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ንሊዝ ቸንይን ቶምሶንን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ክእሰሩ ዘለዎም’ዮም፡” ኢሉ ነይሩ።