መበል 39 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበርን ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም 2002ን ዝዀነ ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ብሰንበት ፕለይንስ ኣብ እትብሃል ከተማ፡ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ዓሪፉ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ “ኣመሪካን ዓለምን ዝዓበየ መራሒ ከሲረን” ክብል ገሊጹዎ።
ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን፡ “ካርተር ኣመሪካ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ኣብ ዝነበረትሉ ዝመርሐን ኵሉ ዝከኣሎ ዝገበረን” ክብል ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ።
ንፕረዚደንት ነበር ጂሚ ካርተር ዝነበሮም ክብሪ ዝገልጹ ዘለዉ ግን እንኮላይ ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘይብሎም መራሕቲ ሃገራት’ዮም።
ፕረዚደንት ኲባ ሚጉወል ዲያዝ-ካነል፡ ብሞት ፕረዚደንት ነበር ካርተር ዝተሰምዖ ሓዘን ንህዝቢን መንግስቲን ኣመሪካ ክገልጽ እንከሎ፡ ህዝቢ ኲባ ብፍሉይ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝምድና ክልተ ሃገራት ንምምሓይሽ ዝግበሮ ጻዕሪ፡ ናብ ኲባ ዝገበሮ ምብጻሕን ብፍሉይ ከም ዝዝክሮን ዘኽብሮን ጠቒሱ።
ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ ጽቡቕ ምሕዝነት ከም ዘይብሉ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ቬነዙዋላ ኒኮላስ ማድሮ’ውን፡ ካርተር ንሰላምን ዘተን ዘለዎ እምነት ብምምጓስ፡ ዓለማዊ ኣበርክቶኡን ተበግሶታትን ኣብ ምስፋን ሰላም ነባሪ ምዃኑ ጠቒሱ።
ንፓናማውያን፡ ካርተር ኣብ 1977 ስምምዕ ብፍምራም ንመትረብ ፓናማ ናብታ ሃገር ንኽምለስ ገይሩ’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ፕረዚደንት ሆዜ ራውል ሙሊኖ፡ ድሕሪ ሞት ካርተር “ንፓናማ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ሃገር ክትከውን ዝሰርሐ” ክብል ኣብኡ ዘለዎ ክብሪ ዝገለጸ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝጥቀስ ስራሕ ዝፈጸመን ድሒሩ’ውን ኣብ በበይኑ ሃገራት ምምሕዳር ደሞክራሲን ንምስፋን ብዝተጻወቶ ተራ ሽልማት ኖበል ሰላም 2002 ዝወሰደ ካርተር፡ ኣብ እዋን ምምሕዳሩ ዝጥቀስ ካልእ ጸሊም ነጥቢ’ውን ኣሎ። ኣብ እዋኑ ዘጋጠመ መጭወይቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኢራን በቲ ዝደለ ኣንፈት ስለ ዘይመርሖ ኣብ ኣመሪካውያን ከቢድ ነቕፌታ ወሪዱዎ’ዩ። ኣብ መንጎ ካልእ፡ እቲ ኣጋጣሚ ንኻልኣይ እብረ ንኸይምረጽ ተራ ከም ዝተጻወተ’ውን ብዙሓት ይኣምኑ።
ተበግሶ ካርተር ንሰላምን ዕርቂን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ኣይተሓጽረን። ብመንገዲ እቲ ንሱ ዝመርሖ ማእከል ካርተር ኣቢሉ ኣብ 1989’ውን ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን መሪሕነት ደርግን ክዓርቕ ፈቲኑ’ዩ።
ኣበርክቶ ካርተር ግን ኣብ መስርሕ ምርጫን ሽምግልናን ጥራይ ኣይነበረን። በቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ኣቢሉ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም በዓል ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ዝርአ ዝነበረ ሓሰኻ ጊኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ምቅላስ’ውን መሪሕ ተራ ነይሩዎ።
ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ዝነበረ ካርተር፡ ኣብቲ ብዓብላልነት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ዝነበሩዎ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ፡ እሞ ድማ ኣንጻር ፕረዚደንት ዝነበረ ጀራልድ ፎርድ ተወዳዲሩ ክዕወት ምኽኣሉ ኣብ እዋኑ፡ ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት ዝተዓወተ መራሒ’ዩ ተሰይሙ። ካብ መዝነት ፕረዚደንት ድሕሪ ምውራዱ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝመርሖ ዝነበረ ህዝባውያን ተበግሶታት ንነዊሕ እዋን ክዝከር’ዩ።