ፕረዚደንት ነበር ጂሚ ካርተር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ጥሪ 1977 መዝነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝተረከበን ንነዊሕ እዋን ሓሚሙ ኣብ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ኣብ ዝርከብ ፕላየንስ ኣብ ዝተባህለ ከተማ መንበሪ ገዛኡ ክእለ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ጂሚ ካርተር ብሰንበት ምዕራፉ ቤተ-ሰቡ ኣፍሊጦም።

ካርተር ብቑጠባ ንዝተመናንሀትን ሓያሎ ዘቤታዊ ዘይምርርጋእ ዝነበራን ኣመሪካ ዝመርሐ ምንባሩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ግን ንኸም እስራኤልን ግብጺን ዝሸምገለ፡ ውዕል መትረብ ፖናማ ዝፈረመን ምዃኑ ካብቶም ልሉይ ግደ ዝተጻወቱ መራሕቲ ምዃኑ ይዝከር። እንተኾነ ቅልውላው ጆሆ ኢራን ናይ 1980 ብግቡእ ክዋጽኦ ስለ ዘይከኣለ ጠንቂ ስዕረቱ ንኻልኣይ እብረ ምርጫ ምንባሩ ይእመን።

ጁሚ ካርተር ኣብ 1981 ካብ መዝነት መንግስቲ ድሕሪ ምውራዱ ኣተኵሮኡ ብሕልፊ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርኣዩ ሕማማት ኣብ ምጥፋእ’ዩ ኣቓልቦኡ ሂቡ ክሳብ ዕለተ-ዕረፍቱ ዝሰርሕ ነይሩ። ካብ መንጎ’ቲ ፍሉይ ኣበርክቶኡ ሓሰኻ ጊኒ ኣብ ምእላይ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ሕማም ፈጺሙ ኣብ ኣፋፌት ምጥፋእ’ውን ኣኽኢሉ’ዩ--በቲ ንሱ ዝመርሖ ማእከል ምርምር ኣቢሉ።

ብዘይካ እቲ ኣብ ምግታእ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝሕልፎ ዝነበረ ግዜ፡ በቲ ንሱ ዝመርሖ ማእከል ካርተር ኣቢሉ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫታት ናይ ምክትታልን ምዕዛብን ይሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ ንልዕሊ 80 ሃገራት በበይኖም ምርጫታት ንምዕዛብ ዘኽኣለ ማእከል ካርተር፡ ብሳላ ዝገበሮ ኣበርክቶ’ውን ንጂሚ ካርተር ኣብ 2002 ንሽልማት ኖበል ሰላም ንኽዕወት ኣኽኢሉ’ዩ።

ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ዝነበረ ካርተር፡ ኣብቲ ብዓብላልነት ሰልፊ ርፓብሊካውያን ዝነበሩዎ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ፡ እሞ ድማ ኣንጻር ፕረዚደንት ዝነበረ ጀራልድ ፎርድ ተወዳዲሩ ክዕወት ምኽኣሉ ኣብ እዋኑ፡ ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት ዝተዓወተ መራሒ’ዩ ተሰይሙ።