ኣገልግሎት ዜና ሶማሊያ ናይ ቢቢሲ፡ "ዓብድልቃድር እድሪስ" ብዝብል ስም ዝረቝሖን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣማኻሪ ጉዳያት ሶማሊያን ኢሉ ዝጠቐሶን ሰብ ብምውካስ፡ ሃገሩ ኣብ ኣዋጅ ኣንካራ ዘለዋ ተቓውሞ ከም ዝገለጸ ጸብጺቡ።
ቢቢሲ ቋንቋ ሶማሊያ ከም ዘስፈሮ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ እትደሊ ኰይና፡ ንዕኡ ሶማሊያ ምስ እትህባ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ክብተኽ ምዃኑ’ዩ እቲ "ዓብደልቃድር" ዝተሰምየ ሰብ ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ዜና “መሰረት ኣልቦ’ዩ” ክብል ገሊጹ። እቲ ዝተጠቕሰ ሰብን ከምኡ ዝብሃል መዝነት ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ከም ዘየለ ዝሓበረ ሚኒስተር የማነ፡ “ኤርትራ ምስ ሶማሊያ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ንምብታኽ ኣይፈተነትን፡” ክብል መሊሱ።
ኣብ ዝደሓረ ምዕባለ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ካብ ቢቢሲ መብርሂ ዝሓተተ ድምጺ ኣመሪካ፡ እቲ ሓበሬታ ንመዕቀኒታት ቢቢሲ ዝበቅዕ ኣይኰነን ብምባል ከም ዝኣረሞ ምላሽ ሂቡ። እቲ ን"ዓብደልቃድ እድሪስ" ዝተሰምየ ሰብ ዝገልጽ ሓበሬታ'ውን ተኣልዩ ኣሎ። ንመንነት እቲ ሰብ ሓቲቶም ከምኡ ዝብሃል በዓል-መዚ ኤርትራ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም'ውን ቢቢሲ ክፍሊ ሶማሊያ ገሊጾም።