ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ብምጓዓዝ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምርኻቡ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን። ብፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ንዝተመርሐ ጉጅለ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተቐበለ ዝገለጸ ሓበሬታ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ክልተ ወገናት ኣብ “ክልተኣዊ ዞባዊን ጉዳያት” ኢሉ ዝጠቐሶ ግን ዝርዝር ዘይሃበሉ ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝዘራረቡ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።
ምብጻሕ ፕረዚደንት ሓሰን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ መንጎኡን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ስምምዕ መኸተማት ጎንጺ ድሕሪ ምብጻሑ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣዋጅ ኣንካራ ዝተሰየመ ኣፈናዊ ስምምዕ ነቲ ንዓመት ዝኸደ ምትፍናን መጠናዊ ዕረፍቲ ዝህብ ምንባሩ ብዙሓት ይጠቕሱ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድን፡ “ንሶማል ካብ ናይ ደገን ውሽጢን መጥቃዕታት ንምክልኻል” ዝሕግዛ ዝተሰምየ ስሉሳዊ ኪዳን ምፍራሞም ይዝከር።
ኤርትራ ኣብቲ ሶማሊያ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ኣልሸባብ እትገብሮ ቃልሲ ንምግጣም ዝስለፉ ኣሽሓት ሶማላውያን ወታሃደራት በብእብረኡ ኣሰልጢና ኣላ።
ኣብ መፋርቕ ዓመተ 2022 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ሎሚ ናብ ኣስመራ ክበጽሕ ንሻሙናይ እዋኑ’ዩ።