ንብረት መንገዲ ኣየር ኣዘርባጃን ዝዀነት፡ 67 ሰባት ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ጎረቤት ሃገር ካዛኪስታን ሎሚ ረቡዕ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ድሕሪ ምውዳቓ ዛጊት 32 ካብኣቶም ጥራይ ምድሓኖም ምንጭታት ገሊጾም። ከም መግለጺ፡ ሚኒስትሪ ህጹጽ ሓደጋ ካዛኪስታን፡ እቶም 5 ኣባላት በረራ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ 29 ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ንዝለዓለ ሕክናዊ ሓገዝ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
እታ ነፋሪት ድሕሪ’ቲ ዘጋጠማ ብልሽት፡ ሃንደበት ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን’ዩ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምስ መሬት ተላቲማ።
እታ ካብ ኣዘርባጃን ዝነቐለት ነፋሪት ናብ ሩስያ እትጓዓዝ ዝነበረት ክትከውን እንከላ፡ ልዕሊ ፍርቂ ተሳፈርታ ዜጋታት ኣዘርባጃን ምንባሮም ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ሩስያውያንን ዜጋታት ካዛኪስታንን ኪርጂስታንን’ዮም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዝርግሐ ምስልታት ከም ዘመልክቶ፡ እታ ነፋሪት፡ ንምዕላብ ኣብ ዝፈተነትሉ፡ ብኣዝዩ ፍጡን ቅልጣፈ መሬት ከም ዝሃረመትን ድሕሪኡ ድማ ካብቲ ስብርባር፡ ተሳፈርቲ ንምውጻእ ክቃለሱን ዘርኢ’ዩ።
ንኣኼባ ንሩስያ ተጓዒዙ ዝነበረ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ መንገሻኡ ሰሪዙ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ተፈሊጡ ኣሎ።