ሞፑቶ —
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሞዛምቢክ፡ ናይ 9 ጥቅምቲ ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሩ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝደገሰ ጎንጺ፡ ብውሑዱ 21 ሰባት ምማቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። ርእሰ-ከተማ ሞፑቶ ኣብ ዝተሓደሰ ጎንጺ፡ ዝምታን ናዕቢን ተጎቢኣ ኣብ ዝወዓለትሉ፡ ካብቶም ትማሊ ሰሉስ ዝተቐትሉ 21 ሰባት፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝርከቡዎም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።
ብዘይካ እቶም ዝሞቱ፡ 13 ሲቪላውያንን 12 ኣባላት ፖሊስ’ውን ምቝሳሎም እቲ መግለጺ ይሕብር።
ንውጽኢት ምርጫ ዝተቓወሙ ደገፍቲ፡ ንመደበር ፖሊስ ብምጥቃዕ’ውን 86 እሱራት ንኽሃድሙ ከም ዝገበሩ ምንጭታት ፖሊስ ወሲኾም።
34 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝርከባ ሞዛምቢክ፡ ድሕሪ ናይ 9 ጥቅምቲ ምርጫ፡ ዓብላሊ ሰልፊ ፍረሊሞ ከም ዝተዓወተ ክግለጽ እንከሎ፡ ንተቓዋሚ መንእሰይ ተወዳዳሪ ቫንሺዮ ሞንደሊን ዝድግፉ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ብምቅዋም ነታ ሃገር ኣብ ዘይምርግጋእ ሸሚሞማ ጸኒሖም። ናይ ትማሊ ሰሉስ ሓዊሱ፡ ድሕሪ እቲ ምርጫ ብዝሰዓበ ጎንጺ ዛጊት 150 ሞይቶም ኣለዉ።