እገዳ ተላዒልሎም ዝጸንሐ 2 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ እንደገና ተኸልኪሎም

ካብ ፈለማኡ ናብቲ ምዕጻው ዝመርሐ ንዳግመ ምቕላስ ሕጊ-ፕረስ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይሕበር

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰብ-ሞያ ሕጊ ንሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ማእከል ዕብየት ዲሞክራስ’ን ዝተባህሉ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ሲቪል ትካላት እንደገና ከምዝተኣገዱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም ትካላት ኣብ ልዕሊኦም ዝተነብረ እገዳ ካብ ዝለዓል ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እንደገና ዝተኣገዱ “ቅድሚ ሎሚ ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ብምቕፃሎም’ዩ፡” ክብል በዓል-ስልጣን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀሓፈሎም ደብዳበ ገሊፁ’ሎ።

ዋና ዳይሬክተር ሰብ-ሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ኣምሃ መኮነን፡ “ገና ሰራሕ ከይጀመርና ኣብ ምድላው እናሃለና ኢና እንደገና ከምዝተኣገድና ደብዳበ በጺሑና፡" ክብሉ ከንከለዉ ዋና ዳይሬክተር ማእከል ዕብየት ንደሞክራሲ ኣቶ ያሬድ ሃይለማርያም ከኣ እቶም ትካላት ምምሕያሽ ኣይገበርኩምን ንምባል እኹል ግዜ ኣይተዋሃቦምን ኢሎም።

በዓል-ስልጣን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝህብ ኣፍሊጡ’ሎ።