ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ -- ኲናት ኣንጻር ግጉይ ወረታት
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ከተማ ጎማ ሓደ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣንጻር ግጉይ ወረ ኲናት ገጢሙ`ሎ። ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕክምና ዝንዛሕ ወረ ሳዕቤኑ ከቢድ`ዩ። እዞም ኣብ ጎማ ኣንጻር ናይ ግጉይ ወረ ዝሰርሑ ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ብዛዕባ ሕማማትን ኲናትን ንዝናፈስ ሃቦብላ ወረ ክገጥሙ ግድን ኮይኑዎም ኣሎ። ኣብታ ብቐደሙ ዝንቡዕ ወረታት ብሰፊሑ ዝናፈሰላ ሃገር፡ ብሕልፊ ምስ ምስፋሕ ሕማማትን ካልኦት ኣሻቐልቲ ጉዳያት ስእነት ጸጥታን ግድን ይኸውን።