ገዛውቶም ዝፈረሶም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካሕሳ ይሓቱ፡ ምምሕዳር ግን መተካእታ ከም ዝሃበ ይነግር
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ገለ ነበርቲ ክፍለ ከተማ የካ፡ ቅድም ክብል ብመንግስቲ ቃል ዝተኣተወልና ክፍሊት ካሕሳን መተካእታ ቦታን ከይተውሃበና መንበሪ ኣባይትና ይፈርሱ ኣለዉ ክብሉ ኣማሪሮም። እቲ ክፍለ ከተማ ብወገኑ፡ ነቶም ብምኽንያት ልምዓት ካብ ቦታኦም ዝለዓሉ ዘለዉ ነበርቲ፡ ዝግበኦም መተካእታ ቦታ ዓዲለ’የ፡ ካሕሳ ንምሃብ እውን ይሰርሕ ኣለኹ ይብል።