ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሩስያ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ገዛኡ ብዝተጻወደ ቦምባ ከም ዝተቐትለ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ኣዛዚ ምክልኻል ቀመማዊን ኑክሌራዊን ኣጽዋር ምዃኑ ዝተሓበረ ሌተናንት ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ፡ ዩክሬን ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ድሕሪ ምምስራታ ንጽባሒቱ’ዩ ተቐቲሉ። እቲ ብኸም በዓል ዓዲ-እንግሊዝን ካናዳን ማዕቀብ ተነቢሩሉ ዝጸንሐ ጀነራል፡ ኣብ ወራር ዩክሬን ክልኩል ዝዀነ ቀመማዊ ኣጽዋር ንኽጥቀም ኣዚዙ ብምባል ብሓይልታት ዩክሬን ዝተኸሰሰ’ዩ።
ሓይልታት ጸጥታ ዩክሬን ነቲ ቅንጸላ ከም ዝፈጸሙዎ ንኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሮም። ሩስያ ግን ነቲ ተግባር “መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን” ኢላ ብምጽዋዕ ከተጻርዮ ምዃና ሓቢራ።
ብመሰረት መግለጺ ሰብ-መዚ ዩክሬን፡ ሩስያ፡ ወራር ዩክሬን ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 4800 እዋን ከሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒማ። ካብ መንጎኡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ መዓላ ዝወዓለ ኣጽዋር ምዃና ትገልጽ። ሩስያ ግን ነቲ ክስታት ትነጽጎ። ነቲ ከሚካላዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ዝኣዘዘ መራሒ እምበኣር እቲ ሎሚ ዝተቐንጸለ ወዲ 54 ዓመት ጀነራል ኢጎር ምዃኑ’ዩ--ከም ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ።