ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ባንክታት ካልኦት ሃገራት ኣብታ ሃገር ጨናፍር ክኸፍታ ዘፍቅድ ኣዋጅ የሕሊፉ

ETHIOPIA-BANKS/

ፓርላማ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ባንክታት ወጻኢ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ጀናፍር ክኸፍታ ዘፍቅድ እማም ኣጽዲቑ። ዛጊት ኣብታ ሃገር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጥራይ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ግን ናይ ደገ ኣውፈርቲን ባንክታት ኣብታ ሃገር ክነጥፋ ዕድል ዝኸፍት’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ናይ ደገ ባንክታት ኣብታ ሃገር ጨንፈር ክኸፍታን ዜጋታት ካልኦት ኣውፈርቲ’ውን ካብ ሃገራውያን ባንክታት ብርኪ ንኽገዝኡ ዘኽእል እማመ ከም ዘሕለፈ ዝዝከር ኰይኑ፡ ትማሊ ሰኑይ ዝጸደቐ ኣዋጅ ንዕኡ ተግባራዊ ዝግበር’ዩ። በዚ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት ናይ ደገ ኣውፈርቲ ክሳብ 40% ዋንነት ክህሉዎም ዘኽእል’ዩ።

ኣብቲ ብውሑድ ተቓውሞ ግን ከኣ ዓብላሊ ድጋፍ ዝሓለፈ ኣዋጅ፡ ነታ ኣብ ቀረባ እዋን ፋይናንሳዊ ምትዕርራይ እትገብር ዘላ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ’ዩ። ኣምሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ማሞ ምሕረቱ፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ንዘቤታውያን ባንክታት ተወዳዳርቲ ንክዀና ዘኽእለን’ዩ ክብሉ ገሊጹ።

ብሕጽረት ናይ ደገ ባጤራ ዝሳቐያ ዘለዋ ባንክታት ኢትዮጵያ፡ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ነታ ሃገር ዝሰፍሐ ናይ ደገ ኣውፈርቲ ዕድል ክፈጥረላ ከም ዝኽእል’ውን ክኢልታት ይገልጹ።