መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብመንጎኝነት ቱርኪየ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም

  • ዜና ቪኦኤ

ረቡዕ ድሕሪ ስምምዕ ኣብ ኣንካራ ዝተላዕለ ስእሊ

ረቡዕ 11 ታሕሳስ ኣብ ኣንካራ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠዪብ ኤርዶዋን ኣብ ዝተሸመገለ ዘተ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ፍልላይቶም ንምኽታምን ተሰማሚዖም። ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝኸደ፡ ድሕሪ ስምምዕ መዘከር ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ምትፍናን በጺሐን ዝጸንሓ ክልተ ሃገራት ፍልልያተን “ንመሬታዊ ልኡላውነትን ሓድነትን ክልተ ሃገራት ዘኽብር፡ ንኣህጉራዊ ስምምዓት ብዝሳነ መንገዲ ንምፍታሑ ተሰማሚዐን፡” ክብል ካብ ኣንካራ ድሕሪ’ቲ ስሉሳዊ ርክብ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “መራሕቲ ክልተ ሃገራት ፍልልያቶም ኣጽቢቦምን ዝጸንሖም ቂም ንድሕሪት ገዲፎምን ብሓደ ንቕድሚት ንምስጓም ተሰማሚዖም፡” ይብል።

ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምስፋን ጸጥታ እታ ሃገር ዝተጻወቱዎ ተራ ብምእማን፡ “ንኽልተ ወገናት ብዘርብሕ ስምምዕ ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪን ካልእ ንግዳዊ ሽርክነትን’ውን ተሰማሚዕም ኣለዉ-- ከም ሓበሬታ እቲ ሓባራዊ መግለጺ።

ንዝርዝር ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምቕጻል ክልተ ወገናት ደጊሞም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክራኸቡ ምዃኖም’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ ኣሎ።

ነቲ ዘተ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ንኽልተ መራሕቲ መጒሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝጸንሐ ምትፍናን “ዘይምርድዳእ ዘንቀሎ’ዩ፡” ኢሉ። “ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኰንናስ፡ መጻኢና ብሓደ ዝተጠምረን ብደም ዝተኣሳሰርናን ኢና፡” ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ።

ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ድማ “እቲ ስምምዕ ንኽልቲኡ ወገና ዘርብሕ’ዩ፡” ብምባል፡ “ሶማሊያ ቅድምን ብሕጂን መሓዛ ኢትዮጵያ ኢያ፡” ክብል ገሊጹ። ኣብ መጻኢ ክልተ ሃገራት ሓቢረን ንምስራሕ ዘለዎ ድሌት’ውን ገሊጹ።

ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝጸንሐ ምትፍናን በብእዋኑ ክዓርግ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብሕልፊ ብወገን ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ መዘከር ከይሰረዘት ንዝዀነ ዘተ ከም ዘይትቐርብ’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።