መንግስትኣብ ገ/ገርግሽ -- ሕጂስ ኣይተጋየሸን
Your browser doesn’t support HTML5
ድምጻዊ መንግስትኣብ ገብረገርግሽ (ተጋዪሸ) ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ህዝቢ ዝዘርግሐ ሳልሰይቲ ኣልበም ኣውጺኡ ኣሎ። “ኣሕላም” ዝተሰየመት ኣልቡም ኣብ ኤርትራ ብዝዝወትሩ 9 ቋንቋታትን በበይኑ ህርመታትን ዝሓዘት’ያ። መንግስትኣብ ነዛ ብብዙሕ መዳያት ናይ ፈተነ ስራሕ ዝዀነት ኣልበም፡ ምስቲ ኵሉ ዝገበሮ ወጻኢታት ብናጻ ክዝርግሓ ምውሳኑ “ሞሳ ንሰማዒኡ” ምዃኑ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝግበሮ ቃለ-መጠየቕ ጠቒሱ ኣሎ።