ማት ጌትስ ካብቲ ዝተሓጽየሉ መዝነት ዋና ኣኽባር ሕጊ ስሒቡ

ብምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ምምሕዳሩ ዋና ኣኽባር ሕጊ ክኸውን ዝተሓርየ ማት ጌትስ፡ ብዛዕባ ፈጺሙዎ ዝብሃል ስሕተት ጾታዊ ርክብ፡ ካብ ኮሚተ ደቂቕ መርመራ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ካብቲ ምርቋሕ ሎሚ ሓሙስ ብገዛእ ርእሱ ስሒቡ ኣሎ።

ጌትስ ኣብቲ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “እቲ ኩነታት ኣተስፋዊ እኳ እንተሎ፡ ናብዚ ቦታ ንምምጻአይ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ ግን ነቲ ክዉነት ኣጥፊኡ ኣብ ካልእ ጓል መንገዲ ዝወስድ’ዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ዋሽንግተን ምኽንያት መዘራረቢ ክኸውን ስለ ዘይመረጽኩ፡ ካብቲ ተረቝሐዮ ዝነበርኩ ናይ ዋና ኣኽባር ሕጊ መዝነት ስሒበ ኣለኹ፡” ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ጌትስ ንዝወሰዶ ተበግሶ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ንኢዱ።

ገዛ ካብቲ መዝነት ዝስሕብ ዘሎ ክልተ ኣንስቲ ናብቲ መርመራ ዝግብር ዘሎ ኮሚተ ምስኣተን ስጋዊ ርክብ ንኽፍጽም ብዙሕ ግዜ ከም ዝኸፈለን ምስ ሓበራ ድሕሪ ገለ መዓልታት’ዩ።

ሓንቲ ካብ መሰኻኽር’ውን ጌትስ ምስ ጓል 17 ዓመት ስጋዊ ርክብ ከም ዝፈጸመ መስኪራ’ያ።

እንተዀነ ጌትስ ነቶም ኵላቶም ክስታት ነጺጉዎም’ዩ።

ተሪር የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ማት ጌትስ ኣቐዲሙ ንኣፈ-ጉባኤ ኬቨን ማካርቲ ካብ መዝነት ክወርድ ድፍኢት ዝግበረ’ዩ።