ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ወርሒ ጥሪ መዝነት ፕረዚደንት ንምሓዝ ዝዳሎ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሮበርት ኬነዲ ጁንየር ንሚኒስትሪ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ክመርሕ ሓርዩዎ ኣሎ። ኣቐዲሙ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከም ዘይሻራዊ ዝጀመረን ድሒሩ ንትራምፕ ብምድጋፍ ካብቲ ውድድር ዝሰሓበን፡ ኣባል ስድራቤት ኬነዲ ዝዀነ ሮበርት ኬነዲ ጁንየር፡ ኣንጻር ክታበት ብዘለዎ ተሪር መርገጺ’ዩ ዝፍለጥ።
“ንነዊሕ ዓመታት ኣመሪካውያን ብሕልኽላኽ ዝመልኦ ኢንዱስትሪታት መፍረ መግቢን መድሃኒትን ተሳቕዮም’ዮም። ሕጂ ድማ ኬነዲ ነዚ ስራሕ ንኸጽሪን ንኣመሪካ ናብ ዕብየት ክምለሳን ተመዚዙ ኣሎ፡” ጽሒፉ ትራምፕ ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ማሕበራዊ ገጽ ሶሻል ትሩዝ።
ምርቋሕ ሮበርት ኬነዲ ጁንየር ነዚ ኣዝዩ ተነቃፊ ቦታ ካብ ሞያውያን ከቢድ ሻቕሎት ኣልዒሉ ኣሎ። ዳይረክተር ማእከል ምቍጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ማንዲ ኮሀን “ነቲ ዘሎ ምዕባለታት ንድሕሪት ጎቲቱ፡ ብደቂና ንሕማማትን ካልእን ዘቃልዕ ኣገባብ ምሕደራ ክርኢ ኣይደልን፡” ክትብል ንኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢራ።
ኬነዲ ብተደጋጋሚ ግዜ፡ “ውሑስን ብግቡእ ዝሰርሕን ክታበት የሎን፡” ብምባል ስድራቤታት ንደቆም ካብ ምኽታብ ክቝጠቡ ተዛሪቡ ኣሎ።